christmas star     Mahbere Abune Selama- self help association, support those in need, Spiritual gatherings, youth and adult counselling       christmas star

logom3

 

2
Screen Shot 2013-02-23 at 19.17.05
crossB2
hnat
mb1
mb3
mb5
  • Home
    Home This is where you can find all the blog posts throughout the site.
  • Archives
    Archives Contains a list of blog posts that were created previously.
Recent blog posts

ማሕበርና ማሕበር ኣቡነ ሰላማ ብመስራትን መራሕን ማሕበር ኣቡነ ሰላማ ኣባ ሳሙኤል ናይ መዝሙር vcd ግጥምን ዜማን ብመ/ር ተስፋለም በርሀ ዝተዳለወትብመዛምራን ማሕበር ኣቡነ ሰላማ ተዳልዩ ተቀሪብልኩም ኣሎ ፡ናብዚ ዘብቀዓና ልዑል እግዚኣብሔር ክብርን ምስጋናን ይብጸሓዮ ፥ኣሜን!

15822 362762187225717 4125737764253654239 n

 

ክቡራት ናይ ማሕበር ኣቡነ ሰላማ ፈተውትን ምእመናንን ታሪኽ ኣቡነ ሰላማን ታሪኽ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ እትገልጽ ሓጺር ዶክመንታሪ ፊልሚ ቀሪቡልኩም ኣሎ። ንበዓልኩም ተጠቂምኩም ንካላኦት ሼር ብምግባር በረከት ተሳተፉ። 

 

ኣብ ዓመታዊ ክብረ በዓል ሰማእት ቅድስቲ ኣርሴማ ፍቓድ ኣምላኽ ኮይኑ ቅድስቲ ኣርሴማ ብጸሎታ ሓገዝ ንመጀመርታ ጊዜ ናብ ቋንቋ ትግርኛ ኣባ ሳሙኤል ወ/ሰላማ ዝተርጎምዋ ገድለ ቅድስት ኣርሴማ ዝነበረ ናይ ምረቓን ምፍላጥን ስነ-ስርዓት ስእላዊ መግለጺ፡ በረኸት ናይ ቅድስት ኣርሴማ ምስ ኩልና ህዝበ ክርስትያን ይኹን ካብዚ ንላዕሊ ንክንሰርሕ ድማ ብጸሎታ ትደግፈና ኣሜን።

1977256 349691778532758 927181675277351249 n

arsu

arsu1

ዓመታዊ ባዓል ኣቡነ ተክለሃይማኖት ብክብ ዝበለ ድምቀት ተኸቢሩ 

 

ቀዳም ዕለት 24 ነሃሰ ዓመታዊ ዕረፍቶም ጻድቅ ኣቡነ ተክለሃይማኖት ብክብ ዝበለ ድምቀት ተኸቢሩ።ጻድቅ እቡነ ተክለሃይማኖት ካብ ኣቡኦም ጽገዝኣብ እዲኣም እዝጋሃርያ ኣብ ሰሜን ሽዋ ቡሉጋ ጽላልሽ ብ24 ታሕሳስ ተወልዱ።ኣብ 3 ማዓልቲ ኣብ ሕቁፊ እዲኦም ኸለው ኣሃዱ ኣብ ቅዱስ ኣሃዱወልድ ቅዱስ ኣሃዱ ወእቱ ቅዱስ ኢሎምንስላሴ ምስጋና ኣቅሪቦም።ኣብኣምን ኣዲኦምን ፍስሃጽዮን ዝብል ስም ኣውጽእሎም።

1607120 340083609493575 7966366954170106268 n

ካብ ዕለታት ሓደ ማዓልቲ ምስ ኣዕርኽቶም ናብ ዱር በረካ ወጹ ጎይታና እዮሱስ ክርስቶስ ተገሊጹ ኣብ ኢትዮጵያ ብወንጌል ንዝጠፍኡ ክትመልስ ኢካ ኢሉ ኣብ 12 ኽ/ዘመን መረጾም።ስሞም ድማ ተክለሃይማኖት በሎም እዚ ማለት ናይ ሃይማኖት ፍረ ማለት'ዩ።ኣቡነተክለሃይማኖት ተጋድልኦም ምስ ፈጸሙ ንደቂ መዛምርቶም ደቐየ ኹሉ መነኩሴ መንግሰተሰማይ ይኣቱ ማለት ኣይኮነን ከምቲ 1ይቆሮ 6፡12 ኹሉ ተፈቂዱ'ዩ ግናከ ኣይጠቅምን"ዩ ኸም ዝብለና እቲ ንጽድቂ ዝደሊ ንእግዚኣቢሄር ይድለዮ ብጾም ጸሎት እዙዛት ኩኑ ክብሉ ምኽሪ ሃብዎም።ድሕሪ'ዚ ኣብ 1287 ዓ/ም ብ24 ነሃሰ ኣብ መበል 99 ዕድሚኦም ናብ ዘልኣለም ዕረፍቶም ተሰጋገሩ።እግዚኣቢሔር ድማ ከምቲ ንፈተውቱ ቃል ኪዳን ዝኣተወሎም ሕጂ ውን ነቦና ኣቡነተክለሃይማኖት ስምካ ዝጸውዐ ዝኽርካ ዝዘከረ ዝብል ዓቢ ቃል ኪዳን ተዋህቦም።በረኸት ናይ ኣቦና ኣቡነ ተክለሃይማኖት ንምክፋል ማሕበር ኣቡነ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ከምቲ ልሙድ ዝኮነ መራሕን መስራትን ዝኮኑ ኣባሳሚኤል ዝርከብዎም ኣባላት ማሕበር ኣቡነ ሰላማ ኣብ ኣዛርያ ዝርከብ ቤተ ክርስትያን ኣቡነ ተክለሃይማኖት ናይ ቅዳኤ ስነስርዓት ኣካይዶም።

10678857 340083596160243 9130264926867613245 n

ድሕሪ'ዚ ናይ ዕለቱ ጸበል ቀሚሶም ብሰላም ናብ ከተማ ተላቪቭ ተመሊሶም።ቀጺሎም ውን ብማሕበር እቡነ ሰላማ ነቲ ዓመታዊ ባዓል ንምክባር ጉባኤ ብጸሎት ተከፊቱ።ብመዛምራን ክፍሊ ዝተዳለወ ናይ ምስጋና መዝሙር ኣቅሪቦም።ካብዚ ብምቅጻል በቦናን መምህርናን ኣባ ሳሚኤል ወልደ ሰላማ ንዕለቱ ዝምልከት ኣብ 1ይ ሳሚ፡2፡35 ኣነ ከኣ ከም ልበይ ከምነፍሰይ ዚገብር እሙን ካህን ከተንስእ ኢየ ንዕኡ ድልድልቲ ቤት ክሰርሓሉ'የ ንሱ ውን ንሓዋሩ ኣብ ቅድሚ መሲሄይ ክመላለስ ኢዩ።ዝብል ሓይሊ ቃል ብምጥቃስ ስፍሕ ዝበለ ስብከተ ወንጊል ኣምሂሮም።ቐጺሎም ኣቦና ኣባሳሚኤል ኸምቲ ትእዛዛቱን ሕጉን ሓልዮም እግዚኣቤሄር ዝሓለዎም ንሕና ውን ናይዞም ቅዱሳት ኣቦታት መሰረት ክንገብር ይግባኣና ክብሉ ንምእመን ተላብዮም።ኣብ መወዳእታ ንዕለቱ ዝተዳለወ ጸበል ቀሚሶም ጉባኤ ከምቲ ብጸሎት ዝጀመረ ብጸሎት ተዛዚሙ።

10592649 340084066160196 4948394060760130320 n

 

ዓመታዊ ክብረ በዓል ደብረ ታቦር ጎይታናን መድሓኒናን እየሱስ ክርስቶስ መልኮትነቱ ዝገለጸሉ በዓል 2014/2006 ዓ.ም

ብመጀመርያ እቲ ዝነበረን ዘሎን ንዘልኣለም ዝነብርን ህያው እግዚኣብሔር ኣምላክና ፈታሪና እየሱስ ክብርን ምስጋናን ንዘንትእለት ንዕኡ ይኹኖ። ብምቅጻል ኣብ ዝተፈላልየ ኩርንዓት ዓለም እትርከቡ ህዝበ ክርስትያን ሰዓብቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ዝኾንኩም ተኸታተልቲ መደብና ፡ጸጋን ሰላምን ጎይታናን መድሓኒናን እየሱስ ክርስቶስ ምስ ኩላትኩም ይኹን ። ከም ዝፍለጥ ዓመታዊ ክብረ በዓል ደብረ ታቦር ጎይታናን መድሓኒናን እየሱስ ክርስቶስ መልኮትነቱ ዝገለጸሉ ኣብ 13 ነሓሰ ከም ዝኽበር ዝፍለጥ ኮይኑ ፡ ብምኽንያት እዚ ክቡር ዕለት ከኣ ማሕበርና ማሕበር ኣቡነ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን እስራኤል ናብ ደብረ ታቦር መንፈሳዊ ጉዕዞ ኣካይዱ ። 

እቲ ዝነበረ ጉዕዞ ቀዳም ዕለት 17 ነሓሰ 2006 ብግእዝ (23/08/2014 ፈርነጂ) ንግሆ ሰዓት 7፡00 ቅ፡ቀ ካብ ከተማ ተል ኣቪቭ ብምብጋስ ድሕሪ ዝተወሰነ ሰዓታት ጉዕዞ ማሕበር ኣቡነ ሰላማ ካብ ዝተሳፈሩለን ኣዉተቡሳት ብምዉራድ ብመስራትን መራሕ ማሕበር ኣቡነ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ኣባ ሳሙኤል ወልደ ሰላማ ተሰንዮምን ተመሪሖምን ሓባራዊ ናይ ጉዕዞ እግሪ ናብ ቅዱስ ደብረ ታቦር ተበጊሶም። እዚ ጉዕዞ እዚ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ፍልይ ዝበለ ከም ዝነበረን ኣዝዮም ብዙሓት ምእመናን ዝተሳተፍዎ ብምዃኑን ብኣዝዩ ዝበለጸን ዝማዕርገን መንፈሳዊ ዉነታ ብናይ ሓባር መዝሙር እንዳ ዘመሩ ናብቲ ቀንድን ኣማናዊ ቦታ ጎይታናን ም፣አድሓኒና እየሱስ ክርስቶስ ሞለክትነቱ ዝገለጸሉ ቦታ ምስ በጽሑ ፡ብምቅጻል ኣቦናን መምህርናን ኣባ ሳሙኤል ናብዚ ቅዱስ ስፍራ ዘብጸሓና እግዚእብሔር ምስጋና ይግቦኦ ብምባል ብዛዕባ ደብረ ታቦር ሓጺር መግለጺ ሂቦም። 

ካብዚ ብምቅጻል ከምቲ ወትሩ ብመራሒግብር ተዳልዩ ዝቀርብ መደብ ንምጅማር ኣብቲ ቤተክርስትያን ተዳልዩ ዘሎ ስፍራ መእምናን ኮፍ ምስ በሉ መክፈቲ ጉባኤ ብ ኣባ ሳሙኤል ብጸሎት ቡራኬ ምስ ተኸፍተ መራሒ መደብ ናብ መዘመራን ክፍሊ ድሕሪ ምሕላፍ መዘመራን ክፍሊ ማሕበር ኣቡነ ሰላማ ጣዕሚ ዜማታት ዘለዎ ያረዳዊ ዜማ ዝሓዘለ መዝሙር ኣከታቲሎም ድሕሪ ምቕራብ ብቐጥታ መድረኽ ናብ ኣባ ሳሙኤል ተረኪቡ። ኣባ ሳሙኤል ነቲ ዕለት ዝምልከት ኣብ ወንጌል ማቲ 17፡4 ዘሎ ጎይታይ ንዓና ኣብዚ ምንባር ጽቡቅ እዩ ።ዝብል ሃይለ ቃል መስረት ብምግባር ብዛዕባ ጎያታና እየሱስ ክርስቶስ ካብ ብሄረ ህያዉያንን ንኤልያስ ካብ ኣጸደ ነፍሲ ካኣ ንሙሴ ፈልዩ ዝጸዉዖም ምኽንያትን ንጴጥሮስ ያቆብን ዮሃንስ ፈልዩ ዘደየቦም ምክንያትን ኣዝዩ ጥልቃዊ ምስጢር ዝሓዘ ብዝግባእ ናብ ህዝቢ ኣመሓላሊፎም። 

ብዝተወሳኺ ኣባ ሳሙኤል ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ልዕሊ እየሱስ ክርስቶስ ኣምላክነት ክብሪ ዝዳፈሩ ዘለዉ ብምልዓል መጽሓፍ ቅዱሳዊ ትምህርቲ ብምስናይ ኣዝዩ ስፍሕ ዝብለ ግዜ ብምሃብ ንመእመናን ኣረዲኦም። ምስ እዚ ዝተተሓዘ ማሕበር ኣቡነ ሰላማ ስለ ኣምልካነት እየሱስ ክርስቶስ ንዓለም ምምስካር፡ ሰለ ስሙ ምስዳድ ወይ ምእሳር ጥራይ ዘይኮነ ከምቲ ቅዱስ ጳዉሎስ ዝበሎ ክሳብ ሞት ድሉው ምዃኑ ኣረጋጊጾም። ኣብ መወዳእታ ኣባ ሳሙኤል ዝነበረኦም ናይ ትምህርቲ ክፈለ ግዜ ምስ ወዱኡ መዝመራን ክፍሊ ኣከታቲሎም መዝሙር ድሕሪ ምቅራብ ፡ ማሕበር ኣቡነ ሰላማ ጥዋፍ ብምብራህ ሓባራዊ መዝሙር ብምዝማር ዝነበረ ጉባኤ ከምቲ ብሰላም ዝተጀመረ ብጸሎት ብሰላም ተዛዚሙ።

7036 335563716612231 339834160312824984 n10649673 335557943279475 6268708057669576619 n10649949 335559886612614 1871489627673402025 n

 

ዕለት 26 ሓምለ ብግእዝ ዝዉዕል ዓመታዊ ክብረ በዓል ናይ መጀመርያ ሃዋርያ ኣብ ምድሪ ሓበሻ ኣቡነ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ብማሕበር ኣቡነ ሰላማ እስራኤል ደረጃ ብክብ ዝበለ መንፈሳዊ ድምቀት ተኸቢሩ። እቲ ስነ ስርዓት ኣከባብራ ዕለት 2/08/14 ብፈርንጂ ኮይኑ ካብ ኣጋይሽ ኣብ ዝተዳለዎሎም ስፍራ ድሕሪ ምቕማጥ ዝተዳለወ መደብ ንምጅማር መራሒ ግብር መድረኽ ናብ መስራትን መራሕን ማሕበር ኣቡነ ሰላማ ኣባ ሳሙኤል ወልደ ሰላማ ኣረኪቡ። ኣባ ሳሙኤል ናይቲ ኣምጻኢ ጡዑም ዜና ዝኾነ ገድሊ ዝተመርጸ ኣቡነ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ኣብ ሓምለ 26 ዝንበብ ከሙኡ’ዉን ተኣምሩን ተኣምረ ማርያምን ድሕሪ ምንባብ ጸሎተ ቡራኬ ሂቦም ናብቲ ዝተዳለዉ መንፈሳዊ መደባት ንምሕላፍ መራሒ ግብር መድረኽ ተረኪቡ። እቲ ዝተዳለወ መደብ ብ መዘመራን ክፍሊ ማሕበር ኣቡነ ሰላማ ጣዕሚ ዜማታት ዘለዎ ያረዳዊ መዝሙር ምስ ኣቅረቡ ናብቲ ናይቲ ዕለት ዝተዳለወ ዘልኣለማዊ ቃል ንጉስ ሰማይን ምድርን ኣብ መዝሙር ዳዊት (94;6) ህያው ቃል ምርኩስ ብምግባር ን ህዝቢ ኣምሂሮም ። ኣባ ሳሙኤል ኣብ ስብከቶም ን እግዚኣብሔር ዝምስከረሉ ወይ ኣብ ክንዲ ስሙ ወኪሉ ዝቆመሉ ዝፈልጦ ጥራይ እዩ ክብሉ ጥልቃዊ ዝኾነ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ትምህርቲ ኣምሂሮም።

እዚ ካኣ ብፍላይ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣምላክነት ናይ እየሱስ ክርስቶስ ዝትንከፍ ትምህርቲ መንገድታትን እንዳ በዝሐ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ፡እዚ ካኣ ኣብ ልዕሊ ክብሪ ስም ኣምላክ ዝካየድ ዓመጽ ንእዚኣብሔር ወኪሉ ዝቀዉም መን’ዩ ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ እግዚኣብሔር በደል ዘዉርዱ ነገስታት ነመከራ ህዝቢ ክብል ንእግዚኣብሔር ወኪሉ ዝቀዉም መን’ዩ፡ ንእግዚኣብሄር ዝፈለጦ ጥራይ ወይ ካኣ ዉዕለታ ናይ እግዚኣብሔር ዘይዝንግዕ እዩ ክብሉ ኣርዲኦም። ኣብ መወዳእታ ንምድሪ ሓበሻ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ዘሰጋገረ መስራቲ ናይ ቤተክርስትያን ተዋህዶ ኣብ ኤርትራ ኢትዮጵያ ኣባ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ውዕለቱ ዘኪሩ ዝቆመሉ ከምኡ’ዉን ዝክሩ ዝዝክረሉ መን እዩ ምስ እንብል ዝፈልጡ ጥራይ እዩ ክብሉ ዝተወሃቦም ናይ ስብከት ግዜ ብግቡእ መልክቶም ኣመሓላሊፎም መድረኽ ናብ ምርሓ ግብር ኣረኪቦም። ቀጺሎም መዘመራን ክፍሊ ዝተፈላልየ መዝሙራትን መንፈሳዊ ድራማታትን ድሕሪ ምቅራብ ናይቲ ዕለት ዝተዳለወ ናይ ምሳሕ እንግዶት ቀሪቡ። ኣብ መወዳእታ ሓባራዊ መዝሙር ብምዝማር እቲ ዝነበረ መንፈሳዊ ክብረ በዓል ከምቲ ብጸሎት ዝተጀመረ ብጸሎት ብሰላም ተዛዚሙ። በረከት ረድኤት ናይ ኣቡነ ሰለማ ከሳቴ ብርሃን ምስ ማሕበር ኣቡነ ሰላማ ምስ መላእ ህዝበ ክርስትያን ይኹን። ነዚ ዝምለክተ ስእሊ ኣብ ስእሊ ተመልከቱ ። 

10559822 321838757984727 4187134624515582741 n10154487 322877637880839 8923384397862675470 n

ብመጀመርያ እቲ ዝነበረን ንዓለም ብፍቅሩ፡ ብስልጣኑ ዘመሓድር ዘሎን ዓለም የሕሊፉ ንዘልኣለም ዝነብር ህያው እግዚኣብሔር ፈጣሪና ኢየሱስ ክርስቶስ ክብርን ምስጋናን ንዘልኣለም ንዑኡ ይኹን። ብምቅጻል ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም እትርከቡ ዝኸብርኩም ናይ እግዚብሔር ቤተሰብ ጸጋን ሰላምን ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኩላትና ይኹን። እምበኣር መቀጸልታ ናይቲ መለለዩኡ ዝኾነ ናይ ምትሕግጋዝ ማሕበር ኣቡነ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ሎሚ ዉን መቀጸልታ ናይቲ ዝገበሮ ዝተፈላልየ ሓገዛት ሎሚ እዉን ብዕለት 09/08/2014 ብፈረንጂ ብምክንያት ዓመታዊ ዕረፍቶም ናይ ማር ኣቡነ ሰላማ ኣብ ሆሎት ቤት ማእሰርቲ ናይ ነብስን ስጋን ሓገዝ ጌሩ። ማሕበር ኣቡነ ሰላማ ካብ ከተማ ተል ኣቪቭ ድሕሪ ናይ 3 ሳዓት ጉዕዞ ኣብቲ ቦታ ብምብጻሕ ነቲ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዘለዉ ኣፍሪቃዉያን ፡ከምቲ ልሙድ እቲ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ህያው ኮይኑ ዝነብር፡ ዝተጨነቐ ዘጸናንንዕ፡ኣብ ግዜ ጸገም ዘይንቅነቅ ጸግዒ ድጋፍ ዝኾነካ ፡ ዘልኣለማዊ ቃል ወንጌል ብኣባ ሳሙኤል ወልደ ሰላማ( መዝ ዳዊት 124፡7 ነፍስና ኸም ዑፍ ካብ መፈንጠራ ሃዳናይ ኣምለጠት፣ መፈንጠራ ተበትከ፣ ንሕናውን ኣምለጥና)። ዝብል ቃል እግዚኣብሔር መስረት ብምግባር ነቶም ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ብሰፊሕ ጥልቃዊ ዝኾነ ምስጢር ኣምሂሮም።

ኣባ ሳሙኤል ኣብ ትምህርቶም እዚ በጺሕኩም ዘሎ ማእሰርቲ ናይ ስጋ ማእሰርቲ እዩ ስለዚ ንሕና ክርስትያን ካብ ናይ ነብሲ ማእሰርቲ ጥራይ ክንጥንቀቅ ኣለና ክብሉ ኣስፊሖም ናይ ምጽንናዕ ቃል ኣምሂሮም። ሆሎት መንግስቲ እስራኤል ንኣፍሪቃዉያን ስደተኛታት ቅድሚ 2 ዓመት መጀመርያ ዝኣተዉ ዘጽነሖምን ካብ ዉሽጢ እስራኤል እዉን ናብ ቤት ማእሰርቲ ዝኣከቦምን ዝርከበሉ ሰፊሕ ቤት ማእሰርቲ እዩ። ነዚ እዩ እምበኣር ማሕበር ኣቡነ ሰላማ እሱራት ምብጻሕ ዝሓዘነ ምጽንናዕ ዝሓመመ ምሕታት ፡ዝዓረቀ ምኽዳን ፡ገዳማት ምርዳእ ካብቶም ዓበይቲ ስረሓቱ ከም ምዃኑ መጠን’ዩ ዝተፈላልየ ግብረ ሰናይ ተግባራት ዘሳልጥ። ማሕበር ኣቡነ ሰላማ ብ ኣባ ሳሙኤል ወልደ ሰላማ ዝተመስረተን ዝምራሕን ኮይኑ ኣብ ዝተፈላልየ ሃገራት ብሓደ መስመር ገዳማት እንዳ ረድአን ጽጉማት እንዳ ሓገዘን ኣብ ፍጡን ኣገልጉሎት ይርከብ።

10551118 324748004360469 7369731098112796902 n10613146 324748517693751 7977876797305728091 n10592838 324749181027018 4930701860797791486 n

6ይ ዙር መንፈሳዊ ኮርስ ቅዱስ ቁርባን ኣብ ምጅማር በቂዑ።

ትጽቢት ክግበርሉ ዝጸነሐ 6ይዙር መንፈስዊ ኮርስ ቅዱስ ቁርባን ኣብ ምጅማር በቂዕ።

ቅዱስ ቁርባን ናይ ቃል ትርጉም ካብ ቀረበ ዝብል ናይ ግእዝ ግሲ ዝወጸ ኮይኑ፣ተምሃሮ ኣብ'ዚ ዕሙቅ ዝበለ ኣፍልጦ ክህልዎም ማሕበር ልዑል ወጻኢታት ከም ዝክበረ ሓላፊ ክፍሊ ትምህርቲ ዝኮኑ መምህር ተስፋኣለም ገሊጾም።

መምህር ተስፋኣለም ኣብ መግለጺኦም እዚ ብ ኣቦናን መምህርናን ባሕታዊ ሳሙኤል ወቱሩ ሰሉስን፣ሓሙስን ዝወሃብ ትምህርቲ ቅዱስ ቁርባን ንነብሲ ወከፍ ተማሃራይ ጥቅሚ ቅዱስ ቁርባን ፈሊጡ ልዑል ጥንቃቀ ክገብረሉ ከም ዝግባእ ኣረዲኦም።

ኣቦናን መምህርናን ባሕታዊ ሳሙኤል'ዉን ብወገኖም ቅዱስ ቁርባን ማለት ብወንጌል ጸጊብካ፣ ብንሳሃ ተሓጺብካ ኣብ 3ይ ናይ መጨረሽታ ዝርከብ ፍጹም ዝኮነ ስርየት ሓጢያት'ዩ። ስለዚ ተመሃራይ ዋላ ሓንቲ ደቂቅ ዉን ከይሕልፎ ግቡእ ምክትታል ክገብር ተላብዩም።

ካብ ዚ ብምቅጻል ቅዱስ ቁርባን ………….

v ሓጢያት ንምስትስራይ

v እግዝኣብሄር ፍቅሪ ሰለ ዝኮነ ምሳና ምስ ዝወሃሃድ ፍቅሪ እግዝኣብሄር ይህልወና

v ዝከበደ ሰከም የራግፈልና

v እንጀራ ከምዘበረከተ በረከት ይህበና

v ዉልድ እግዝኣብሄር ንከዉን ዉጺኢቱ ከኣ ቅኑዓት ዉሉዳት ንረክብ

v ካብ ፍርሒ ድንጋጼ ሰዊሩ ቅኑዕ ዝኮነ የርእየና

v ኣብ መወድኣታ ዉን ናይ ኩሉ ፍጡር ባህጊ ዝኮነ ዘልኣለማዊ ሂወት ንረክብ ክብሉ ብዝርዝር ካብቲ ክፋል ኮርሳት ኣረዲኦም።

ስለዚ ህዝበ ክርስትያን ቅዱስ ቁርባን ንእሽተይ፣ዓቢ፣ኣረጊት፣መንእሰይ፣ሽማግለ ክይፋላልየ ኩሉ ክውስዱ ከም ዝግባእ ኣብቲ ዘማሓላለፍዎ መልእክቲ ገሊጾም።

 

ኣብ መላእ ግቢጺ ዝካየድ ዝሎ ኣዕናዊ ግጭት ዛጊት ኣብ መላእ’ታ ሃገር ልዕሊ 40 ኣብያተ ክርስትያን ከም ዝተቓጽላ ሮም ዝተባህለት ማዕከን ዜና ኣቓሊሓ።

ብምክንያት መሓመድ ሞርሲ ካብ ስልጣን ምውራድ ዝተላዕለ ግጭት ግብጻውያን፦

  • 40 ኣብያኣተ ክርስትያን
  • ዘይትኣደነ ናይ ንግዲ ቦታታት
  • ናይ መንበሪ ገዛውቲ

Publication1

ከምኡ’ዉን ኣብ ትሕቲ ህዝቢ ክርስትያን ዝርከባ ዝነበራ ቤተ ጽሕፈታትት ፣ሙሉእ ብምሉእ ከም ዝተቓጸላ ሮም ዝተባህለት ማዕከን ዜና ኣቃሊሓ ።

ብምቅጻል ዉን ብሰንኪ ኣዚ ዝወርድ ዘሎ ኣሬሜናዊ ምንቅስቃስ እስላም፣ተማህሮ ዩንቨርስቲ እቲ ሃገር ካብ ትምህርቶም ተሰናኪሎም ፖሊስ ስቴሽን ተቃጺሉ ከምኡ ዉን ብሙሉእ ማስሚድያ ግብጺ ኣብ 2 ተከፊሉ ብጽኑዕ ይሕሎ ከም ዘሎ ወሲኻ ኣረዳኣ።

ሊቓነ ጳጳሳት ግብጺ ብወገኖም ቅኑዓት ሰባት በታሓሳሰባ ወዲ ሰብ እዃ ዝተቐዝፈ እንተ መሰሉ “ኣይትሞቱን ኢኩም’ ዝብል ርጉጽ ተስፋ ኣለዎም።እግዚኣብሄር ኣምላክ ፈቲኑ ዝረኣዮም ከኣ ብቁዓት እዮም ።ሓዊ ኣብ ንቁጽ ሓሰር ባዕ ኢሉ ከም ዝበርህ ንሳቶም ዉን ኣንጻር እቶም እኩያት ሰባት ባዕ ኢሎም ክብርሁ’ዮም፣ዝብል ጭርሖ ሒዞም፣ገዛና ቤተ-ክርስትይና’ዩ ብማለት ብጸሎት ተጸሚዶም ካብ ገዛ ወጻኢ ከም ዝርከቡ ተፈሊጡ።

ኣብ ተመሳሳሌ ዜና ምስ እንሓልፍ፣ ምንቅስቃስ እስላም ኣብ ግብጺ ጥራይ ከይትሓጽረ ፣ኣብ ፓክስታን፣ሶርያ፣ከማኡ ዉን ኣብ ህንዲ ብቐሊሉ ዘይግመቱ ዕንወት ይፍጽሙ ክም ዘለዉ ማዕከናት ዜና ኣቃሊሕን።

ኣብ ርእሲ’ዚ ዉን ኣብ ግብጺ ብዓቢ ድምጺ ዘስመዕ ኣቦ፣ጥበብን ትምህርትን ክርስትና ዝንዕቑ ሰባት ጥፋኣት እዮም፣ደቆም’ዉን እኩያት እዮም ዝብል ኣብ ዘስምዕሉ፣ንዕኦም ንምሓዝ ወይ ዉን ንምቅታል 64 ሚልዮን ዶላር ከም ዝተዋጽኣ ተፈሊጡ

ብኣባ ሳሙኤል ዝተደርሱ መጽሓፍቲን ናይ ስብከት ሲዲታትን ኣብ መንፈሳዊ ሂወት ናይ    መእመናን ጽቡቅ ግደ ይጻወት ከም ዘሎ ተገሊጹ

 

ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ብኣቦናን መምህርናን ኣባ ሳሙኤል ወልደ ሰላማ ዝድረሱ ዘለዉ መጽሓፍትን ዝህተሙ ዘለዉ ናይ ስብከት ሲድታትን ኣብ መንፈሳዊ ሂወት ናይ መእመናን ዝጻወትዎ ዘለዉ ተራ ብጣዕሚ ብዙሕ ሙኳኑ ካብ ዶክሜንቴሽን ክፍሊ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።

ክሳብ ሕጂ ብ ኣቦናን መምህርናን ኣባ ሳሙኤል ዝተደርሱ መጽሓፍቲ ትምህርቲ ሃይማኖት፣ገድሊ ኣቡነ ሰላማ ብትግርኛን ብግዕዝን፣መልክዕ ኣቡነ ሰልማ ብትግርኛ በኣማሕርኛ ብግዕዝ፣ውዳሴ ማርያም ብትግርኛ፣ከምኡ ዉን መልክዕ ሳማእቲ ቅድሲቲ ኣርሴማ ብትግርኛ ክከውን ከሎ ክሳብ 5 ዝበጽሓ ናይ ስብከት ሲዲታት ዉን ንመእመናን ከም ዘቅረቡ ዝፍለጥ እዩ።

Publication3

ነዚ ኣመልኪትና ንዘዛራረብናዮም መእመናን ክምልሱ ከለዉ’’ነዚ ሃብቲ እዚ ንዝሃቦም እግዚኣብሄር እናመስገኑ እተን ናይ ጸሎት መጽሓፍቲ ይኹና እተን ናይ ስብከት ሲዲታት ኣብ መንፈሳዊ ሂውቶም ብጣዕሚ ዓቢ ገደ ይጻወቱ ከምዘለዉ ኣረጋጊጾም ፣ካብቲ ካልእ ፍለይ ዝብሎ ከኣ ብቛንቆኦም ዝተደርሱ ብሙኳኖም ንክትጥቀመለን ቀሊል ሙኳኑ ሓቢሮም።

ኣቦናን መምህርናን ኣባ ሳሙኤል ብዛዕባዚ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሓብዎ መግለጺ ነዚ ዕደል ንዝሃቦም እግዚኣብሔር እናኣመስገኑ ፣ጸሎት ብእትፈልጦ ቋንቛ ካብ በዝይ ትፈልጦ ቛንቛ ብዝበለጸ ፍቅሪ እግዚኣብሔርን ፍቅሪ ቅዱሳን ንክሃድረካ ሓጋዚ ሙካኑ ገሊጾም ።ምስኡ ኣታሓሒዞም መእመናን ነዚ እግዚኣብሄር ዝሓቦም ዕድል ተጠቀምቲ ኮይኖም፣ነቶም ናይዚ ዕድል ተጠቀምቲ ንዘይኮኑ ይህዋትና ተጠቀምቲ ንክንገብሮም ሓደራ ኢሎም።

ጻድቅ ኣቦና አቡነ ተክለሃይማኖት

 

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!

እንኳዕ ናብ ናይ ጻድቅ ኣቦና አቡነ ተክለሃይማኖት ዓመታዊ ክብረ በዓል ብሰላም ኣብጸሓና!

St  Teklehaimanot1

<< ክቡር ሞቱ ለጻድቅ ብቅድመ እግዚአብሔር።

ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ሞት ቅዱሳኑ ኽቡር እዩ።>> መዝ.1156(መዝ.1166)

 

 እዚ ቃል ዝተዛረቦ ልብ ኣምላክ ቅዱስ ዳዊት  እዩ።ሞት ንኹሎምደቂ ኣዳም ዘይተርፍ እዩ። እዚ ብምዃኑ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን፣ ካብ ጸቢብ ናብገፊሕ፣ ካብ ጊዚያዊ ናብ ዘልዓለማዊ ዝሰጋገሩሉ ድልድል እዩ። 

ቁምነገሩግናብሃይማኖትን ምግባርን ጸኒዑ፣ ገድሊ፣ ትሩፋት ፈጺሙ ናይ ክብሪ ኣኽሊል ደፊኡበረከትን ቃልኪዳንን ተቀቢሉ ክጽዋዕ ናይ ዘልዓለማዊ ጸጋ ዘውህብ እዩ። ነዚ ከምዚዓይነት ሞት እዩ ከኣ ክቡር ቅዱስ ዳዊት << ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ሞትቅዱሳኑ ኽቡር እዩ። >> ዝበሎ።

 ነዚ ኽብሪ ካብ ዝበቕዑ ቅዱሳን ኣቦታት ሓደጻድቅ ኣቦና ኣቡነ ተክለሃይማኖት እዮም።ኣቡነ ተክለሃይማኖት ቡልጋ ደብረ ጽላልሽ ወይ ኣብ ከባቢ ዞረሬ ቅዱስ ሚካኤልቤተክርስቲያን ሰበኻ ካብ ኣብኦም ካህኑ ቅዱስ ጸጋዘአብ ካብ ኣዲኦም ቅድስቲእግዚእኃረያ መጋቢት 24 ተጸኒሶም ኣብ ታሕሳስ 24/1197 ተወሊዶም። ኣብዝተወልድሉ ኣብ መበል ሳልሳይ መዓልቶም ታሕሳስ 26 ሰንበት ንግሆ ሰዓት ትሽዓተ(9) ካብ ሕቅፎ ኣዲኦም ወሪዶም  << አሐዱ አብ  ቅዱስ አሐዱ ወልድ ቅዱስ አሐዱ ውእቱ መንፈስ ቅዱስ >>  ኢሎም  ንሥላሴ ኣመስጊኖም እዮም።ወለዶም'ውን ፍስሓጽዮን ኢሎሞም። ትርጋሜኡ ከኣ ናይ  ጽዮን ተድላ ሓጎስ ማለትእዩ።

ኣቡነ ተክለሃይማኖት ካብ ኣብኦም ካህን ቅዱስ ጸጋዘአብ ግብረ ዲቁናን ሥርዓተቤተክርስቲያን ድሕሪ ምምሃሮም ኣብ መበል 15 ዓመቶም ካብ ግብጻዊ ሊቀጳጳስኣቡነ ቄርሎስ ዲቁና ተቐበሉ። ኣብ ቅድስቲ ቤተክርስቲያን'ውን ካብቲ ንኡስዕድሚኦም ጀሚሮም ከገልግሉ ጀመሩ።ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ጻድቅ ኣቡነ ተክለሃይማኖት ምስ ኣዕርኹቶም ናብ ሃድንምስ ከዱ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ተገሊጹ። 

ንህዝበ ክርስቲያን ከገልግልሓዲስ ሓዋርያ ጌሩ መረጾ ስሙ'ውን  <<  ተክለ ሃይማኖት>> ኢልዎ።ትርጉሙ ድማ ናይ አብ ናይ ወልድ ናይ መንፈስ ቅዱስ ተኽሊ ናይ ሃይማኖት ፍረ ማለትእዩ።ነታ ብ ኣቡነ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ብዙሕ ጽኣሪ ኣብ 325 ክርስትና ዝተቀበለት ምድሪ ሓበሻ ከምኡ ዉን ድሕሪ ኣቡነ ሰላማ 9 ቅዱሳን ጊዲኦም ዘበርከቱላ ምድሪ ሓበሻ ኣቦና ኣቡነ ተክለ ሃይማኖት ዉን ኣቢ ጊደ ኣበርኪቶም

,ኣቦና ኣቡነ ተክለሃይማኖት ሓዋርያዊ ጉዕዞም ክጅምሩ ከለዉ <<  ጐይታይንመድኃኒነይ ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ መንግሥተ ሰማያት በሪ ክትከፍተለይ ምእንቲ እንሆ ቤተይ ከምዝተኸፍተ ገዲፈልካ። ድኹም ስለዝኾንኩ ንዓይብጀካኻ ዘጸናንዓኒን ዝድግፈንን የለን።እንተወደቅኩ'ውን ብጀካኻ ዘልዕለኒየለን። እንተሓዘንኩ'ውን ብጀካኻ ዘጻናዓኒ የለን። ንዓይ ንድኻ ብጀካኻ ጸግዒየብለይን።>> (ገድለ ተክለሃይማኖት 2823)  

 እዚ ኢሎም ትሕትናብዝተመልኦ ዝተሰብረ ልቢ ናብ ፈጣሪኦም ድሕሪ ምልማኖም ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታትብሓጥያት ወዲቆም ዝነብሩ ሰባት ናብ ገቢረ ጽድቅ፣ ካብ ክሕደት ናብ ሃይማኖትመሊሶሞም እዮም። ነዚ እዮም ከኣ ተክለሃይማኖት ጸሓይ ተባሂሎም።ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ እብራውያን መልእኽቱ ብዛዕባ ቅዱሳን መንፈሳዊ ገድሊ ክገልጽከሎ፦

እብ.1134  <<ንሳቶም ብእምነት ንመንግሥትታት ሰዓሩ፣ ጽድቂ ገበሩ፣ነቲ ተስፋ እተገብሮ ረኸቡ፣ኣፍ ኣናብስት ዓጸው፣ንሓይሊ ሓዊ ኣጥፍኡ፣ ካብስሕለት ኣስያፍ ደሓኑ፣ ካብ ድኻም በርትዑ >> ከም ዝበሎ ኣቦና ኣቡነ ተክለሃይማኖት ብመንፈሳዊ ተጋድሎን ብትሕትናን ተኣምራትንኣላዊ ዝነበረ ንጉሥ ሞቶሎሚን ናብክርስትና መሊሶሞ እዮም።

<<ጽድቂ ገበሩ>> ከምዝበሎ ኣቦና ኣቡነ ተክለሃይማኖት ንወንጌልብተጋድሎ ሕይወት ብተግባር ተርጊሞምዋ እዮም።<<  ኣፍ ኣናብስት ዓጸዉ>> እብ.11;34 ከምዝበለ ኣቦና ኣቡነተክለሃይማኖት  ናይ ኣራዊትን ገበልን ርእሲ ቀጥቂጦም እዮም።<<  ካብ ስሕለት ኣስያፍ ድሓኑ ..>> ከምዝበሎ ኣቦና ኣቡነ ተክለሃይማኖት   ሞቶሎሚ ካብ ዝወርወሮ ኵናት ብተኣምራት ዲኂኖም እዮም።

<< ካብ ድኻም በርትዑ>> ከምዝበሎ ኣቦና ኣቡነ ተክለሃይማኖት ብዘይ ዕረፍቲ ብብዙሕ ተጋድሎ ብጾምን ጸሎትን ስግደትን ብብዙሕ መከራበርቲዖም እዮም።እዚ ኩሉ ገድልን ትሩፋትን እንዳፈጸሙ ጊዜ ዕረፍቶም ምስ በጽሐ ንደቂመዛሙርቶም <<ደቀይ ኩሉ መንኵስ መንግሥተ ሰማይ ይኣቱ እዩ ማለትኣይኮነን፣ ንዓለም ብዝግባእ ዝነዓቐ ጥራሕ እዩ፣ ዝኣቱ እምበር።

  መጀመርታ ናይእግዚአብሔር ጽድቁ  ጥራሕ  ድለዩ፣  ጾምን  ጸሎትን  ኣዘውትሩ፣ ንሓድሕድኩም ተፋቀሩ፣  ትእዛዛቱ'ውን  ብግቡእ  ሓልዉ  እንዳበሉይመኽርዎም ኔሮም።..>> ዳሕራይ'ውን << ንዓለም ብርሃን ንዓይ ጸልማትኮንኩ፣ ኣብ ቅድሚ ሓቀኛ ዳኛ ኣምላኸይ ኢየሱስ ክርስቶስ ደው ምስ በልኩእንታይ ኢለ ክምልስ እየ።

  እንዳበሉ ብፍጹም ትሕትናን ብፍሉይ ተመሥጦምይጽልዩ ኔሮም።>>ኣብ መወዳእታ ኣቦና ጻድቅ ኣቡነ ተክለሃይማኖት ኣብ ዕለተ ነሓሰ 24 ዓረፉ። በዚመሠረት ቅድስቲ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያና ኣብዚ መዓልቲ ዕረፍቶም ኣብቅድሚ እግዚአብሔር  ዝኸበሩን ብዙሕ ክብሪ ዝተዋህቦም ጻድቅ ኣቦና ኣቡነተክለሃይማኖት በበዓመቱ ነሓሰ 24 በዓለ ዕረፍቶም ብዓቢ ኽብሪ ተኽብሮ።

  እግዚአብሔር ኣምላኽና ካብ ናይ  ጻድቅ ኣቦና ኣቡነ ተክለ ሃይማኖት በረከትንረድአትን ይኽፈለና። ናይ  ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣማላድነት ናይ  ቅዱሳንጻድቃን ተራዳእነትንማሕበርና ማህበር ኣቡነ ሰላማን ንኩሉ ህዝበ ክርስትይን ኣይፈለየና።

 

 

 

 

ዓመታዊ ክብረ ብዓል ጽንሰታ ለማርያም ብክብ ዝበለ ድምቀት ተባዒሉ  07/ 12/2005

ዓመታው መዘከርታ ጽንሰታ ለማርያም 7 ነሃሰ ኣብ ማሕበር ኣቡነ ሰላማ ብከብ ዝበለ ድምቀት ከም ዝብዓለ ካብ ዶክሜንቴሽን ዝትረክበ ሃብሬታ ኣረጋጊጹ።

             ናይ ማሕበር ኣባላት ብስም ቅድቲ ድንግል ማርያም፣ቅዱሳን መላእክቲ ፣ ጻድቃናት ተኣኪቦም ዝኽሪ ብምዝካር ጸበሎም ብምስታይን ስሞምን ገሎምን ታርኾምን እንዳፈለጥካ በረኸት ረዳኤት ምርኻብ ዝብል ካብቶም ዕላማታት ናይ ማህበር ሓደ ከም ዝኾነ ዝፍለት ኮይኑ፣ነቲ ዕላማ       ኽዉን ንምግባር ኣብቲ በዓል ቆረብቲ ፣መእመናን፣ኣገልግሎት ክፍሊ ፣ከማኡ ዉን መዛሙራን ዝትረክቡሉ ፣እቲ በዓል ብኣቦናን መምህርናን ብናይ መኽፈቲ ጸሎት ተከፊቱ።

       ካብኡ ብምቅጻል መዛምራን ማሕበር ኣቡነ ሰላማ ነቲ ብዓል ዝገልጽ መዝሙራት ኣከታቲሎም ድሕሪ ምቅራብ ኣቦናን መምህርናን ኣባ ሳሙኤል ካብ መጽሓፍ ቅዱስ”ብጥሪትካን ብኹሉ ቦኽሪ ፍርያትካን ፣ንእግዚኣብሄር ኣክብር “ካብ መጽሓፍ ምሳሌ 3፣9 ዘሎ ሓይለ ቃል ተጠቂሞም ስብከቶም ንመእመናን ኣቅሪቦም።

             ብድሕ’ዚ ነቲ ናይት ዕለት ዝተዳለወ ጸበል ድሕሪ ምቅማሶም መዛምራን ኣቡነ ሰላማ መዝሙራትን ወረባትን ድህሪ ምቅራቦም እቲ ጉባኤ ከሚቲ ብጸሎት ዝተጀመረ ብጸሎት ተዓጽዩ።

        

ወስብሃትት ልእግዚኣብሄር!!!

 

 

ብ ክብረ ዓል ብጽእ ወቅዱስ ማር ኣቡነ ሰላማ ብኽብ ዝበለ ድምቀት ተባዒሉ

 

ዓመታዊ ክብረ ብዓል ብጹእ ወቅዱስ ማር ኣቡነ ስላማ ብዓቢ ድምቐት ተባዒሉ።

ስነ ስርዓት ዓመታዊ ክብረ ብዓል ብጹእ ወቅዱስ ማር ኣቡነ ሰላማ ፣ኣብ ኩለን ኣብያተ ክርስትያን ኣቡነ ሰላማን ፣ብፍላይ ድማ ኣብ ሀገረ እስራኤል ብዓቢ ድምቐት ተጸንቢሉ።ክብረ ብዓል ብጹእ ወቅዱስ ማር ኣቡነ ሰላማ ፣ካብ ኩለን ከተማታት እስራኤል ዝተሳትፍዎ ፣ብመስራትን መራሕን ዝኮነ ኣቦናንመምህርናንባሕታዊሳሙኤልጸሎት ብራኪ ተዋሂቡ።

 1243926 209842355851035 1968328563 o

   ብምቅጻል እቲ ልሙድ መለለዪ ማህበር ዝኾነ ታእምረ ማርይም ፣ገድለ ብጹእ ወቅዱስ ማር ኣቡነ ሰላማ ፣ከምኡ ‘ዉን ኣብዚ ወርሒ ሓምለ ዝገበርዎ ተኣምር ብተከታታሊ ተነቢቡ።ቆረብቲ ኢዮሩሳለም ፣ኢያሪኮ ፣ካህናት፣ድያቆናት፣መዛምራን፣ክማኡ ዉን ብኣማኢት ዝቁጸሩ ምእመናን ዝተሳተፍዎ ክብረ ብዓል ።ነቲ ክብረ ብዓል ዝገልጽ መዝሙር ምስጋና ፣ግጥሚ ፣ምስ ዕልልታ ብመዛምራን ክፍሊ ቀሪቡ.

ኣብ ኦሪት ዘፍጥረት ምዕራፍ 26፣ፍቅዲ24 አሎ ዛራ ተግሳጽ እግዚኣብሔር ብምጥቃም ። ቃል ኪዳን ኣቦና ኣብርሃም ምስ ቃል ኪዳን ኣቡነ ሰላማ

ቃል ኪዳን ውላድ ኣብርሃም ምስ ደቂ ማሕበር ኣቡነ ሰላማ

ፈተና ኢሳቅ ምስ ፈተና ማሕበር ኣቡነ ሰላማ

ረሓቦት ምስ ረሓቦት ማህበር ኣቡነ ሰልማ

ዓቢ ምስጥራዊ ትርጉም ብምሃብ ስብከት ወንጌል ብኣቦናን መምህርናን ባሕታዊ ሳሙኤል ተዋሂቡ።

859535 209842279184376 1708868659 o

 

12 ሰዓት ዝወሰደ ክብረ ብዓል ፣ብኣንደበት ደቒ ሰባት ክግለጽ ዘይከኣል ለውጢ ማሕበርን ፣ዝተገበረሎም ተኣምርን ፣ካብ ደገን ውሽጥን ምስኽርነት ብሓያሎ ሰባት ድሕሪ ምቕራብ ፣ባኣቦ ወንበር ናይቲ ማህበር ዝኾኑ ኣቶ ምዕራፍ ሃይሉ ፣ከይረኣካዮን ከይሰማዓካዮን ኣይፈትዎንየ ኣይብሃልን ብማለት።ኣብ ዓመት ዝተገብረ ኩሉ ንጥፈታት ማሕበር ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ከም ዝብሃል ብዝርዝር ኣቅሪቦም።

ኣብ መወዳኣታ ድማ ፣ዋሃ ከጥሩ ነግር ከስሩ፣ ከም ዝብሃል፣መሰረት ናይቲ ማሕበር ካብ ፈለጥና ፣እንቅድሖ፣ቃል ኣግዚኣብሄር ምፍላጥ የድሊ ብማለት፣ዝነበረ ጉባኤ ብጸሎት ዛዚምም።

ከምዝፍለጥ ኣብዚ ሕጂ እዋን ማሕበር ኣቡነ ሰላማ ኣብ መላእ ዓለም ጨንፈራቱ የብዝሓ ከመዘለዋ ዝፈለጥ ኮይኑ፣ኣብ ኢትዮጵያ፣ኤርትራ፣ ኣዲ እንግሊዝ ፣ማልታ፣ሲዊዝ፣በልጂም፣ሱዳን ካብተን ጽቡቅ ዝንቀሳቀሳ ዘለዋ ሙኩኣነን ንገለጽ።

    

ናይ መፅሓፍ ቅዱስ ጥቕሲ

readings " ናኸ ኣቱም ብጐይታ ፍቑራት ኣሕዋትና፡ ኣምላኽ ካብ ጥንቲ ብናይ መንፈስ ቅድስናን ብእምነት ሓቅን ንምድሓን ስለ ዝሐረየኩም፡ ንሕና ብዛዕባኻትኩም ንኣምላኽ ኲሉ ሳዕ ከነመስግኖ ግቡእና እዩ። 

                 2ይተሰ 2:13

ብባሕታዊ ሳሙኤል ዝቐረበ መጻሕፍትን ቪሲዲን

 

abb

 

ብሂል ኣቦታት

stanthony"ንእግዚኣብሄር ካብ ብፃይካ ኣብሊፅካ ፍተዎ ንብፃይካ ድማ ሓለፋ ነፍስኻ ፍተዎ" 

ኣባ ይስሓቕ ሶርያዊ

ብሂል ኣቦታት

stanthony "ሓንቲ ናይ ክፍኣት ቃል ነቲ ሰናይ ሰብ ክፉእ ትገብሮ፥ ሓንቲ ሰናይ ቃል ግን ነቲ ክፉእ ሰብ ሰናይ ትገብሮ እያ።"                                        ኣባ መቃርዮስ 

ብሂል ኣቦታት

stanthony"ሕማቅ ሓሳባት ኣብ ሓንጎልካ  

ከይፍጠሩ ክትገብር ኣይከኣለካን እዩ ግና ክትነፅጎም ትኽእል ኢኻ።" ኣባ ፒምዋ

ብሂል ኣቦታት

stanthony"ምሉእ ሂዎቶ ንድንግል ማርያም ዘገልገለን ዝሃበን ሂዎቱ ፈጺማ ኣይትጠፍእን እያ።"  ኣባ ኣግናጥዮስ ናይ ኣንፅዮክ

ብሂል ኣቦታት

stanthony"ንሰብ ካብ ባዕሉ ሓሊፉ ካሊእ ሰብ ክጎድኦ ዝኽእል የለን።" 

ኣባ ኣንጦንዮስ ዕብይ ኣቦ መነኮሳት

 

      ክትክተሉና እብ ሓዲኦም ይፅቀጡ

  twitter-logo-circular-OFFfacebThis email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it. 

Screen Shot 2012-12-21 at 03.44.02

feedback